News Details - Agame Development Association
Back to News
June 03, 2026 ADA General News 25 Views
ኣብ ከተማ ዓዲግራት ንብዙሕ ዓመታት ቤተንባብ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጦርነት ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ከይኑ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ቤተ ንባብ ብዘጋጠሞ ውድመት ብምኽንያት ኩሉ መጻሕፍቱ፣ ኩሎም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ንብረታት ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዓነውን እቲ ህንፃ እውን ተበላሽዩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።እዚ ቤተንባብ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብዝተገበረ ፃዕርን ርብርብን መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኢምባሲ ኣየርላንድን ድርጅት ሳፖርት ኣፍሪካን ብዝገበርዎ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ሙሉእ ጽገና ተገይርሉ ናብ ስራሕ ተመሊሱ ኣሎ። እቲ ቤተንባብ ዝዘመነ ክኮን፣ ዲጂታል ላይብረሪ ኣገልግሎት ክህብ (ኤሌክትሮኒካዊ መጻሕፍቲ፣ ኦዲዮ ቡክ፣ ኦንላይን ምርምር)፣ ናይ ዋፋይ ኢንተርኔት አገልግሎት ክህልዎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ብሓባር ኣብ ምስራሕ ይርከብ። እቲ ቤተ ንባብ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓዲግራት ኣቡነ ተስፋስላሴ፣ ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዶ/ር ገ/ምክኤል ወ/ገብርኤል፣ ከንቲባ ከተማ ረዳኢ ገ/ሔር፣ ም/ቢሮ ሓላፊ ቱሪዝም ትግራይ ሃይላይ በየነን ካልኦት ዑዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረከቡሉ ብዕሊ ተመሪቁ ስራሕ ጀሚሩ።